1. ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ

2. ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።

3. በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን

4. ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግናብድሕሪኡ ወዱ ኼተንስእ ንየሩሳሌምውን ኬጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሀቦ

5. ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝአዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን

6. ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ

7. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።

8. ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ

9. ንየሮቦኣም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ

10. ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ነገሰስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።

11. ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ

12. ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎምነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም

13. ነዲኡ ማዓካውንንአስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ

14. ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶንኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድአ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ

15. ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ

16. ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ

17. ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከይሐድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ

18. ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሀቦምነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮንልኢኹ

19. ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ አሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝአቶኻዮ ኺዳንካ ኣፍርሶ፡ በሎ።

20. ቤን-ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ኪወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደንዒዮንን ንዳንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንብዘላ ኪነሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዐረን

21. ኰነ ኸኣ፡ ባዕሳ እዚ ምስ ሰምዔንራማ ምስራሕ ሐዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ

22. ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሐደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሔን

23. ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሔን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ብጊዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሐመመ

24. ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ

25. ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልአይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ

26. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ

27. ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሐለሉናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ

28. ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ፡

29-30. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮቦኣም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሓደገሉን

31. ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

32. ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ

33. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኤ።

34. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ