1. ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።

2. ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ።

3. ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም

4. ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝአ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።

5. ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱበሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ

6. ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒኢሉ ተማኸረ

7. ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮምምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ

8. ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ

9. እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦካ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልናዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒበሎም

10. እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፡ ንስኻ ኻብ ልዕሌና ኣቕልለልናኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ።

11. ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ።

12. ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ

13. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም

14. ኣቦይ ኣርዑትኩም ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ ተዛረቦም

15. ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብአሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቝሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን

16. ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ አሎና፡ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጂስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳኑ ኸደ

17. ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ

18. ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ

19. በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም አለዉ።

20. ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዐባ ኣይነበረን።

21. ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዋንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ

22. ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡

23. ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም

24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ

25. የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጰኑኤል ሰርሓ።

26. የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።

27. እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም፡ በለ።

28. እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም

29. ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል ኣንበሮነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ

30. እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ

31. ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ

32. የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ኪስውኣሎም ኣብ ቤት-ኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤት-ኤል ኣቘመ

33. ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎምኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።