1. ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡

2. ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬዀርዩኒ ስለ ዘስሐትካዮም

3. እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ

4. ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።

5. እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

6. ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጻውን ተቐብረ፡ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ወዱ ኤላ ነገሰ

7. ከም ቤት የሮብዓም ኪኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ኬዀርዮስኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎንእቲ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ።

8. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰክልተ ዓመት ገዝኤ።

9. ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሐለሉ። ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጻ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ኣርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡

10. ዚምሪ አትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ

11. ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለካብ ዘመዱ ዀነካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን

12-13. ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ኬዀርይዎስ፡ ንእስራኤል ከኣ ስለ ዝስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄርዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ

14. እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

15. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰእቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ

16. እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎኪብሉ ሰምዑሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።

17. ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ።

18-19. ኰነ ድማ፡ ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ርአየ፡ ብሰሪ እቲ ብመገዲ የሮቦኣም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ አትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳሞተ ኸኣ

20. እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሐሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

21. ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ሰዐቦእቲ ፍርቂ ኸኣ ንዖምሪ ሰዐቦ፡

22. እቲ ንዖምሪ ዝሰዐበ ህዝቢ ድማ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዐበ ህዝቢ ሐየሎቲብኒ ኸኣ ሞተዖምሪውን ነገሰ

23. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። እተን ሹድሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ

24. ንኸረን ሰማይራ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዐደጋኣብቲ ኸረን ከኣ ሰርሔ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጐይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ

25. ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ

26. ብዂሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ኬዀርይዎ ብዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከደ

27. እቲ ዝተረፈ ዖምሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

28. ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ ነገሰ

29. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ድማ ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝኤ

30. ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ

31. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤልጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶንሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎሰገደሉውን

32. ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ

33. ኣከአብ ከኣ ኣስታርተ ገበረኣከአብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜዀሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ

34. ብዘመኑ ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዂሩ ሰረታደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ