1. ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሐለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉግናኸ ኣይሞቐን

2. ስለዚ እቶም ገላዉኡንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትአልዩ፡ ጐይታይ ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ከኣ ኣብ ሕቚፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩሉ፡ በልዎ

3. ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዔኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ

4. ንሳ ኣዝያ መልክዔኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትአልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን

5. ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ

6. ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ እትገብር ዘሎኻ፡ ኢሉ ኣየጒሀዮን። ንሱ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝወለደቶ።

7. ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ

8. ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዒን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን

9. ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሐረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም

10. ንነብዪ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን

11. ሽዑ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞንጐይታና ንጉስ ከይፈለጠኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ፡ በላ

12. ሕጂ ድማ ንነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ከተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ።

13. ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነገሰ፡ በልዮ

14. እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ፡ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ አትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ።

15. ባትሴባ ከኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት።

16. ባትሴባ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ፡ በላ

17. ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ።

18. ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካዮን

19. ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱስንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም አሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን

20. ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባካ ይጥምታ ኣለዋ፡

21. እተን ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዐረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና።

22. እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን አተወ

23. ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታንኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።

24. ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ፧

25. ንሱስ ሎሚ ወሪዱኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብ ያታርን ጸዊዕዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ አለዉ።

26. ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንን ግና ኣይጸውዓናን

27. ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካንስ፡ እዚ ነገር እዚዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ፧

28. ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሉሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይበለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት።

29. እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሓነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡

30. ከምቲ፡ ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሐልኩልኪሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ።

31. ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለአለም ህያው ይኹን፡ በለት

32. ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ የሆያዳን ጸውዑለይበለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ

33. እቲ ንጉስ ድማ በሎምንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩም ንወደይ ሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ

34. ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎመለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ

35. ድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ።

36. በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስኣሜንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል

37. እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹንዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ።

38. ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ

39. ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦመለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ

40. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሱብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት

41. ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽውዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡሰምዕዎዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዔ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዚስማዕ ዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ፡ በለ

42. ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እቶ፡ በለ

43. ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ

44. እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ

45. ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሐጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ።

46. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ

47. እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ አትዮምንጐይታና ንጉስ ዳዊትኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ

48. ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሀበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ

49. ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁተንሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ

50. ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስኤከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሐዘ

51. ንሰሎሞን፡ ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሐለለይይብል አሎ፡ በልዎ

52. ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕንክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ኪመውት እዩ፡ በለ

53. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለአኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ