1. ድሕሪዚ ነገር ኣዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣደራሽ ኣከአብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሮ።

2. ኣከአብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፡ ሀበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካኢሊ ተዛረቦ

3. ናቦት ድማ ንአከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስእግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆበሎ

4. ኣከአብ ከኣ በቲ ናቦት ይዝርኤላዊርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካንኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለእንጌራውን ምብላዕ ኣበየ።

5. ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣእንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ፡ በለቶ

6. ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይንኻ ነበርኩ፡ ንሱ ግና ኣታኽልቲ ወይነይሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒበላ

7. ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእእንጌራ ብላዕልብኻውን ይተሐጐስኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ

8. ብስም ኣከአብ ደብዳቤታት ጽሒፉብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን

9. ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ

10. ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጸሐፈት።

11. እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለአኸትሎም፡ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ

12. ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ

13. እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብ፡ ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙኢሎም ንናቦት መስከሩሉናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።

14. ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉሞይቱኢሎም ንኢዛቤል ለአኹላ

15. ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎንሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝአበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶበለቶ

16. ኰነ ድማ፡ ኣከኣብናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔኣከአብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ

17. ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡

18. ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት አሎ።

19. ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦእግዚኣብሂር ከምዚ ይብል አሎ፡ ቀቲልካስወረስካዮዶ ድማእግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ አሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ

20. ኣከአብ ከኣ ንኤልያስ፡ ኣታ ጸላእየይረኸብካኒዶበሎንሱ ድማ በለኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ክትገብር ስለ እተሸጥካ፡ እወ ረኺበካ

21. እንሆ፡ ኣነ ኽፉእ ከምጽኣልካን ክዂስትረካን እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ ፍቱሕ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኻብ ኣከአብ ከጽንቶ እየ።

22. ስለቲ ዘቘጣዕካኒ ቚጥዓን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሐትካዮንንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ

23. ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መከባብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።

24. ካብ ቤት ኣከአብ ኣብ ከተማ ንዝሞተኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።

25. ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከአብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን።

26. ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጣኦታት ብምስዓቡ ብዙሕ ፍንፉን ነገር ገበረ

27. ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደስጋኡ ማቕ ከዱኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ።

28. ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎ

29. ኣከአብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዮዶ፡ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ከምጽኦ እየ።