1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊህ ጊዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርአዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።

2. ኤልያስ ከኣ ንአከአብ ኪርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ

3. ኣከአብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡

4. በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱበብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦምእንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።

5. ኣክአብ ከኣ ንኦብድያኲለን እንስሳ ኽይጠፍአናስኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕንበሎ

6. ኪዀልዋ ድማነታ ሃገር ተማቐልዋኣከአብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ ኻልእ መገዲ ኸደ

7. ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆኤልያስ ተጓነፎኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ፡ በለ

8. ንሱ ድማ በሎእወ፡ ኣነ እየ። ኪድንጐይታኻኤልያስ እንሆበሎ

9. ንሱ ኸኣ በለኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከአብ ኣሕሊፍካ እትህበኒእንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ

10. ጐይታይ ኪደልየካ ኢሉ ዘይለአኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዜልቦህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይ ረኸቡኻ ኣምሐሎም።

11. ሕጂ ድማ ንስኻኪድንጐይታኻኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ አሎኻ

12. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ኪቐትለኒ እዩጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ።

13. በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡

14. ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ አሎኻ። ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ።

15. ኤልያስ ድማኣነ ሎሚ ኸም ዝርአዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ

16. ኦብድያ ኸኣ ንአከኣብ ኪቃባበሎ ኸደነገሮ ድማ። ኣከኣብ ንኤልያስ ኪቃባበሎ ኸደ።

17. ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮኣከአብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻበሎ

18. ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሐሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገርኩን

19. ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤል ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ።

20. ኣክኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም

21. ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱእግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡበዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡበለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን

22. ሽዑ ኣኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ አሎኹነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።

23. እምበኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎሓዊ ኸኣ ኣይእጐደሉን። ኣነ ድማ ነቲ ካልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ኤንብሮ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይኣጉደሉን።

24. ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለለ እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ

25. ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓልንስኻትኩም ትበዝሑ እሞቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም

26. ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓልምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረንዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ።

27. ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣኤልያስንሱ ኣምላኽ እዩ እሞይሐስብ ከይህሉወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውንምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉምእንቲ ኺበራበርሲዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩኢሉ ኣላገጸሎም

28. ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስንኣካላቶም በስፍያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ

29. ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረንዚመልስውን ኣይነበረንዜቕልብ ድማ ኣይነበረን

30. ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡበሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ

31. ኤልያስ ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብዓሰርተው ክልተ እምኒ ወሰደ። ያእቆብ እቲ፡ እስራኤል ይኹን ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ።

32. በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዚሕዝ ጒድጓድ ዀዐተ

33. ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ።

34. በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ሎሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ በለ ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወስኹ በለ። ሳልሳይ ከኣ ወሰኹ።

35. እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጐድጓድ ድማ ማይ መልኤ

36. ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላ ጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስካ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዛካ ከም ዝገበርክዎሎሚ ኣፍልጥ

37. እዞም ህዝቢ እዚኣኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስምላሽ ሀበኒ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ።

38. ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ

39. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረአዩብገጾም ተደፊኦምእግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽበሉ

40. ኤልያስ ድማንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይ ምለቚ፡ በሎምሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም

41. ኤልያስ ከኣ ንአከኣብደሃይ ብርቱዕ ዝናም አሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተንበሎ

42. ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ

43. ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱበሎደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦንበለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰበለ

44. ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል አላ፡ በለንሱ ኸኣ በሎደዪብካ ንኣከኣብዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ

45. ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ

46. ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዐጢቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱቀቅድሚ ኣከአብ ይጐዪ ነበረ።