1. የሮብዓም ኪዐጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ናብ ቤት-ኤል መጸ

2. ብቓል እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ጨዲሩ፡ ኣታ መሰውኢ፡ ኣታ መሰውኢ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ አሎ፡ ንቤት ዳዊት ዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣባኻ ዚዐጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም እዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብውን ኣባኻ ኼንድዱ እዮም፡ በለ።

3. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሀበ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምልክት እዚ እዩ፡ እንሆ እቲ መሰውኢ ኺነቅዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓመዂስቲ ኸኣ ፋሕ ኪብል እዩ።

4. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ነገር ምስ ሰምዔየሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑሓዝዎ፡ በለ። እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ግና ነቐጸት እሞ ናብኡ ኺመልሳ ኣይከአለን

5. ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ዝሀቦ ምልክት ድማ፡ እቲ መሰውኢ ነቕዔ፡ እቲ ሓሙዂስቲውን ፋሕ በለ።

6. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ናብኡ ተመለት፡ ከም ቀደማውን ኰነት።

7. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕህያብውን ክህበካ እየ፡ በሎ

8-9. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስእንጌራ ኣይትብላዕማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስብዚብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱንኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትንበሎ

10. ብኻልእ መገዲ ኸኣ ከደ፡ በታ ናብ ቤት-ኤል ዝመጸላ መገድስ ኣይተመልሳን

11. ኣብ ቤት-ኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብሪ፡ እቲ ንንጉስ እተዛረቦ ነገር ኣዘንተወሉ፡ ንሳቶም ከኣ ነቦኦም ኣዘንተዉሉ።

12. ኣቦኦም ከኣ፡ በየነይቲ መገዲ ኸይዱበሎም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ርእዮም ነበሩ።

13. ነቶም ደቁ ኸኣ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይበሎም። ኣድጊ ድማ ጸዐኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተወጥሔ

14. ደድሕሪ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንስኻ ዲኻ፡ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ፡ ኣነ እየ፡ በለ

15. ንሱ ድማ፡ ምሳይ ናይ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕበሎ

16-17. ንሱ ግና፡ ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስ ምሳኻ ኽአቱን ኣይክእልንኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትንበለ

18. ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ከማኻ ነብዪ እየ፡ መልአኽ ድማ፡ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ከኣ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ፡ በሎ። ግናኸ ሐስይዎ እዩ።

19. ምስኡ ተመልሰኣብ ቤቱ ድማ እንጌራ በልዔማይውን ሰተየ

20. ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል እግዚኣብሄር መጾ።

21. ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጾ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ጨደረሉእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ስለ ዝዐሎኻዮ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝውን ስለ ዘይሐሎኻዮ

22. ኣብታ እንጌራ ኣይትብልዓላ ማይ ከኣ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጌራ በላዕካ፡ ማይ ድማ ሰቴኻ፡ ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይአቱን እዩ።

23. ኰነ ድማእንጌራ ምስ በልዔን ምስ ሰተየን፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዐነሉ

24. ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ።

25. እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ

26. እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንአንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ

27. ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይኢሉ ተዛረቦምጸዐኑሉ ኸኣ።

28. ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ድው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን

29. ሽዑ እቲ ነብዪ ሬሳ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ድማ ጽዒኑ መለሶኪበኽየሉን ኪቐብሮን ከኣ ናብ ከተማ እቲ ኣረጊት ነብዪ መጸ

30. ነቲ ሬሳኡ ድማ ናብ መቓብሩ ኣንበሮ እሞ፡ ዋይዋይ ሓወይ፡ ኢሎም በኸዩሉ

31-32. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩኢሉ ተዛረቦም

33. ድሕርዚ ነገርዚ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰንመሊሱ ደኣ ኻብቲ ህዝቢ ንበረኽቲ ማንም ካህናት ገበረ። ነቲ በረኽቲ ኻህናት ኪዀኑ ንዝደለየ ዘበለ ቀደሶ

34. እዚ ነገር እዚ ንቤት የሮብዓም ንሓጢኣትን ንምጥፋእን ካብ ልዕሊ ምድሪ ንምጽናትን ኰና።