1. ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔትብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት

2. ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸትናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ

3. ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን

4. ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረአየት

5. መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላውኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረእየት፡ ውኖኣ ተመስጠ

6. ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርካን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ

7. መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይአመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ፡

8. እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላውኻ ብጹኣን እዮም።

9. እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሀኢር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎፍርድን ጸድቅን ምእንቲ ኸተውጽእንጉስ ክትከውን ሸመካ።

10. ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሀበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን

11. እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ፡

12. ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘምራን ዚኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸንኣይተራእየን ድማ።

13. ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንጉስ ልግስነቱ ዝሀባ ኸኣ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላውኣ ናብ ሃገራ ኸደት

14-15. ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።

16. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕትቁጥ ወርቂ ሰርሔነንሓደ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ

17. ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕትቁጥ ወርቂ ኸኣ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሰለስተ ምና ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ

18. ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ

19. እቲ ዝፋን ሹድሽተ መደያይቦ ነበሮ፡ ርእሲ እቲ ዝፋን ከኣ ብሸነኽ ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፍ ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ።

20. ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ፡ ኣብኡ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን

21. ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣቓሑ መሳተያ ዘበለ ድማ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑ ከኣ ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ብሩር ኣይነበረን፡ ንሱስ ብዘመን ሰሎሞን ገለ እኳ ኣይቚጸርን ነበረ።

22. ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ህበይን ኣዕዋፍን ተጻዒነን ኣብ ሰለስተ ዓመትሲ ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።

23. በዚ ኸምዚ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ

24. ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ።

25. ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገገጽ በረኸቶምኣቓሑ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።

26. ሰሎሞን ከኣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ እሞ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ድማ ኣቐመጦም

27. እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ክም እምኒ ገበሮንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።

28. እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ እዮም ዝወጹ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ቓፍላይ ከኣ ነንመጓሴ ብቚሩጽ ዋጋ ይወስዱ ነበሩ።

29. ካብ ግብጺ ዝወጽእ ሰረገላ ድማ ነንሓደ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ይወጽእ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን። ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ከምኡ እናገበሩ በእዳዎም የውጽኡሎም ነበሩ።