1. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ

2. ሹማምቱ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣዛርያ ወዲ ጻዶቅካህን

3. ኤሊሖረፍን ኣሒያንደቂ ሺሻጸሓፍቲ ነበሩ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድጸሓፍ ዛንታ

4. በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ሓለቓ ሰራዊትጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ፡

5. ኣዛርያ ወዲ ናታን ድማ ሓለቓ ሹማምንቲ፡ ዛቡድ ወዲ ናታን ከኣ ንንጉስ ኣማካሪኡን ፈታዊኡን ነበረ።

6. ኣሒሻር ኣዛዝ ቤትኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ ድማ ግብሪ ዜኽፍል እዩ ዝነበረ።

7. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሹማምቲ ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ መዚ ነበሮም።

8. ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ቤን-ሑር ኣብ ከረን ኤፍሬም

9. ቤን-ደቀር ኣብ ማቃዝን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤት-ሸመስን ኣብ ኤሎን-ቤት-ሓናን

10. ቤን-ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፡ ሸኮት ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ።

11. ቤን-ኣቢናዳብ ኣብ ብዘሎ ሃገር ዶርጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ነበረት።

12. ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን ኣብ ብዘላ ቤት-ሸኣን፡ እታ ኣብ ጎቦ ጻሬታንብትሕቲ ዪዝርሔልካብ ቤት-ሸኣን ክሳዕ ኣቤል-ሜሖላክሳዕ ስግር ዮቕመዓም ዘላ፡

13. ቤን-ገበር ኣብ ራሞት ጊልዓድ፡ እተን ኣብ ጊልዓድ ዘለዋ ዓድታት ያኢር ወዲ ምናሴ ንእኡ ነበራ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብዕርድታትን መሸጐሪ ኣስራዝን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዋ ድማ ንእኡ ነበረት።

14. ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናይም

15. ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም፡ ንሱ ድማ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ

16. ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን ኣብ ዓሎትን

17. ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር

18. ሺምዒ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም

19. ጌበር ወዲ ኡር ኣብ ሃገር ጊልዓድ፡ እታ ናይ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ኦግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሱ በይኑ ሹም ነበረ።

20. ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።

21. ሰሎሞን ድማ ካብቲ ርባ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዂሎም መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ንሰሎሞን ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ገጽ በረከት የምጽኡሉን ይግዝእዎን ነበሩ።

22. ምግቢ ሰሎሞን ከኣ ነንመዓልቲ ሰላሳ ቆሮስ ድኹም ሓሪጭስሳ ቆሮስ ድማ ካልእ ሓሪጭ፡

23. ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑርን ዕስድራ ኣብዑር ካብ መጓሰይን ሚእቲ በጊዕን ነበረ፡ እዚ ድማ ብዘይ እራባትን ሰሰውሕን ዓጋዝንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።

24. ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዝ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ።

25. ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ፡

26. ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስዓሰርተው ክልተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛታት ነበርዎ።

27. እቶም ሹማምቲ እቲኣቶም ድማ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ናብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚቐርቡ ዂላቶምን ነፍሲ ወከፍ ወወርሖም ይምግቡ ነበሩ፡ ገለ ነገር እኳ ኣየጒድሉን ነበሩ።

28. ነፍራስን ነቶም ጋለብት ኣፍራስን ዚኸውን ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተሰርዖ ስገምን ሓሰርን ናብታ ንሱ ዘለዋ ቦታ የምጽኡ ነበሩ።

29. ኣምላኽ ድም ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ

30. ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኲሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኲሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ

31. ካብ ኲሉ ሰብ ከኣ፡ ካብ ኤታን እት እዝራሓውን ካብ ሄማንን ካልኮል ዳርዳንደቂ ማሖልይጠብብ ነበረ። ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ወጸ፡

32. ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለመዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ።

33. ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቊል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ።

34. ካብ ኲሎም ህዝብታት ድማ፡ ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዂሎም ነገስታት ምድሪጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።