1. ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ

2. ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ጽኑዕሰብአይ ከኣ ኹን

3. እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኺቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎብመገዱ ኽትከይድሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ

4. እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞእቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱመገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየበለኒ

5. እቲ ዮአብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርንነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉብጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ።

6. እምበአር ከም ጥበብካ ግበሮንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ

7. ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሀድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መአድኻ ዚበልዑ ይኹኑ

8. እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊብዓል ባሑሪም ምሳኻ አሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሐልኩሉ

9. ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ

10. ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ

11. እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

12. ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣብኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዔት

13. ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካበለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየበላ

14. ምሳኺ ደኣ ዘረባ አሎኒ፡ ድማ በለተዛረብበለቶ

15. ንሱ ኸኣመንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኲሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግናካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይን እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት

16. ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን አሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብበለቶ

17. ንሱ ድማንንጉስ ሰሎሞን፡ ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበንስ፡ በጃኻ፡ ተዛረብዮ፡ በላ።

18. ባትሴባ ኸኣጽቡቕንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት

19. ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን አተወትእቲ ንጉስ ከኣ ኪቕበላ ተንስኤ፡ ኢድ ድማ ነስአላ፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት

20. ንሳ ኸኣካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን አሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒበለቶንጉስ ድማኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ።

21. ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱላማዊትሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሀብበለት

22. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ፡ ንሱ ኻባይ ዚዐቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽርያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ

23-24. ሽዑ ንጉስ ሰሎሞንኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ነፍሱ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ

25. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ ሞተ ክከ

26. ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ

27. በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዐሮ

28. ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዐበንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮአብ ምስ መጸ፡ ዮአብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሀዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሐዞ

29. ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሀደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎንንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳኬድካ ቕተሎኢሉ ሰደዶ

30. በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስውጻእይብል አሎበሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደኣ እመውትበለበናያ ድማዮአብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ

31. ንጉስ ከኣከምቲ ዝበሎ ግበርውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍርሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ

32. ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚጸድቁን ዚሔሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባትንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳንኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ጠቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎምእግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ

33. እወ፡ ደሞም ንዘለአለም ናብ ርእሲ ዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ሰላም ይኹን፡ በሎ።

34. ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ

35. ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ

36. እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኡ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ

37. ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ።

38. ሺምዒ ኸኣ ንንጉስጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦጊልያኻ ኸምኡ ይገብርበሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ

39. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካንጉስ ጋትሀደሙ። ንሺምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ

40. ሽዑ ሺምዒ ተንስኤኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኺደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም

41. ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ

42. እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑበታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸደላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣስሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን፡ ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩበልካኒ

43. ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝአዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሐሎኻዮ፡ በሎ።

44. ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዚፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ አሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ

45. ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹንዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ።

46. ንጉስ ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖሞተ ኸኣ። እታ መንግስት ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዔት