1. ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ

2. ሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳንኤልያስጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒበለቶ

3. ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረአየነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደናብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎ

4. ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒንነፍሰይ ውሰዳበለ

5. ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰእንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑተንስእ እሞ ብላዕበሎ

6. እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳር ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ።

7. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑነዊሕ መገዲ አሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕበሎ

8. ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ

9. ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረእንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ።

10. ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ

11. ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለእንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐኣኻውሕ ድማ ሰባበረእግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረንድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን

12. ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ።

13. ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔገጹ ብባርኖሱ ኸደነወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻበሎ

14. ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎምንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ

15. እግዚኣብሄር ከኣኪድብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስኣብኣ ምስ መጻእካ ድማንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ

16. ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ

17. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ።

18. ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ።

19. ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።

20. ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየኪድ ተመለስበሎ

21. ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉነቶም ህዝቢ ሀቦምበልዑውንተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።