1. ጥበብ ቤታ ሀነጸትሾብዓተ ኣዕኑድ ጸረበት

2. ሰባብሕታ ሐረደትወይና ዘለለትመኣዳውን ኣሰናደወት

3. ኣግራዳ ለኣኸትኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ አላ፡

4. ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም አላ፡

5. ንዑእንጌራይ ብልዑዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ

6. ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ

7. ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበልንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ

8. ምእንቲ ኸይጸልኣካስንመላገጺ ኣይትገስጾንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።

9. ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።

10. መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።

11. ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን እሞ፡

12. ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብመላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ

13. ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።

14-16. ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስኢላ ኽትጽዎዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በሪኻ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡

17. ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።

18. ንሱ ግና ምዉታት ኣብኡ ኸም ዘለዉ ዕዱማታውን መዓሙቝ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።