1. ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕመላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።

2. ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ

3. ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብልግና ጥፍኣት ይረኽቦ።

4. ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ

5. ጻድቕ ብዘረባ ሓሶት ይጸልኦረሲእ ግና ይንውርን የነውርን

6. ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ

7. ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል አሎብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል አሎ።

8. ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን

9. ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ።

10. ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ።

11. ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።

12. ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖእተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።

13. ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ።

14. ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።

15. ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብመገዲ ጠለምቲ ግና ተራር እያ።

16. ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዓዪዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ

17. ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕእሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ።

18. ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር

19. እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ።

20. ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።

21. ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮምጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ

22. ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ

23. ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና አለዉ

24. ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ

25. ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ