1. ምስላታት ሰሎሞንጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።

2. መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምንጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ

3. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቅ ክትጠሚ ኣይሐድጋንንህርፋን ረሲእን ግና የንኰላልፎ

4. ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም

5. እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።

6. በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል

7. መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ

8. ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበልዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ

9. ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ

10. ብዓይኑ ዚጠቅስ ከመራ የምጽእዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ

11. ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኸውል

12. ጽልኢ ቈየቛ የልዕልፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ

13. ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብበትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ።

14. ጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።

15. ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።

16. ዕዮ ጻድቕ ንህይወትእቶት ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።

17. ምዕዶ ዚህሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት

18. ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።

19. ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖንከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።

20. ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን

21. ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዝሞቱ

22. በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትምሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን

23. ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ቃዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።

24. ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሃቦም

25. ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ።

26. ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ።

27. ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕዓማታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን።

28. ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።

29. መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።

30. ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽንረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።

31. ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእልግመኛ ልሳን ግና ትቝረጽ

32. ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጕስ ይፈልጣኦኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።