1. ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ፡

2. ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡

3. ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር

4. ኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ።

5. ኣቱም ዓያሱኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙ

6-7. ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ

8. ኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።

9. ነቲ ኣስተዎዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረከቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን።

10-11. ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ

12. ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብርሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ

13. ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ

14. ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ።

15. ነገስታት ብኣይ ይነግሱመሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ

16. ገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ

17. ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ

18. ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ።

19. ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ

20-21. ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኸውርሶምመዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲብጐደና ጽድቂብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ

22. እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ

23. ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ

24. ገና መዓሙቝ ከይኰነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘኣነ ተወለድኩ

25. ኣኽራን ከይተሰረተቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ

26. ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ

27. ንሰማያት ኬቝማ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ኪዝርግሖ ኸሎ፡

28. ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቝሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቝ ኬበርትዖ ኸሎ፡

29. ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሐልፍሲንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡

30. ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩብየዕለቱ ኤሐጕሶኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።

31. ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።

32. ሕጂ ድማ ደቀየመገደይ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዑኒ

33. ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑኣይትእበይዎ

34. እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየብየዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።

35. እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል

36. እቲ ኣብ ልዕለይ ዝእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ