1. ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል

2. ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል

3. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም

4. ልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ

5. ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።

6. ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ አሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት አሎ።

7. ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።

8. መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።

9. እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ

10. መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት

11. ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ።

12. መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን

13. ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር

14. ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ

15. ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።

16. ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ

17. ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ

18. ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕልዓቃል ግና ባእሲ የህድእ

19. ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሽዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ።

20. ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ

21. ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ

22. ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ

23. ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።

24. ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲመገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።

25. እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎንዶብ መበለት ግና የቝሞ

26. እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።

27. እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻመማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር

28. ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል

29. እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ

30. ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ

31. እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር

32. እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም

33. ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ