1. ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ

2. ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።

3. እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ።

4. ኵርዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።

5. ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ

6. እቲ ብሓሳዊት መልሓስ ኣተአከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ።

7. ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፍዖም ጥፍኣቶም እዩ።

8. መገዲ እቲ በደለኛ ጥውይዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።

9. ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ

10. ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን።

11. ንመላገጺ እንተ ቐጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እንተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል

12. እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም

13. እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።

14. ብስዉር ዝአተወ ገጸ በረኸት ኵራ የህድእሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።

15. ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።

16. እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምዉታት ይነብር

17. ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን

18. ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ።

19. ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ

20. ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ

21. እቲ ንጽድቅን ብጕነትን ዚስዕባንህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ

22. ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብንሓይሊ እምንቶኣ የፍርሶ

23. እቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ

24. ዕቡይን ኵሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቍጥዓ ይገብር

25. ሃካይኣእዳው ምዕያይ ይአብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ

26. ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዚምነ አሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።

27. መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፉን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ

28. ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእዚሰምዕ ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።

29. ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ

30. ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።

31. ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ አሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።