1. ከምቲ በረድ ንጽብሓት፡ ዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን።
2. ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።
3. ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።
4. ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ።
5. ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ።
6. እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ።
7. ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ።
8. ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ።
9. ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።
10. እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ።
11. ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።
12. ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።
13. እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ አሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ አሎ፡ ይብል።
14. ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር።
15. ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ።
16. ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
17. እቲ ናብ ዘይነገሩ ዜአቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ።
18-19. እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።
20. ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።
21. ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።
22. ዘረባ ሓማዪ ኸኣ ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
23. ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ።
24. ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር።
25. ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዜፈንፍን አለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ።
26. ጽልኡ ብተንኰል እንተ ተሐብኤ እኳ፡ ክፍእቱስ ኣብ ማሕበር ኪቕላዕ እዩ።
27. ጕድጓድ ዚዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ።
28. ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቝሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...