1. ወደየንቓላተይ ሐልዎንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቘሮ

2. ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።

3. ናብ ኣጻብዕካ እሰሮኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ

4-5. ካብ ሰበይቲ እማትካካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሃካስንጥበብሓብተይ ኢኺበላነእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ

6. ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ፡ ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ

7. ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ

8. ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ

9. ምድሪ መስዩጽልግልግታ ዀይኑ፡ ጸሊም ለይቲድቕድቕ ጸልማት ነበረ።

10. እንሆ ኸኣሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነትልባ ተንኰለኛ

11. ንሳ ህውከተኛን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፉን

12. ሓንሳእ ኣብ ኣደባብይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።

13. ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ

14. መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ

15. ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ

16. ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ አሎኹ።

17. ነቲ ምድቃሰይ ከርበዓልወቀረፋ ነጺገሉ አሎኹ።

18-20. ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና።

21. ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶብልዙብ ከናፍራ ስሐበቶ

23-22. ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐበ

24. እምበኣርሲ ደቀየ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ

25-27. ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶምዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድመገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎብመገዳ ኣይትስሐት