1. ወደየ፡ ንቓላተይ ሐልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቘሮ።
2. ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።
3. ናብ ኣጻብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ።
4-5. ካብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሃካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።
6. ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ፡ ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ፡
7. ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ።
8. ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።
9. ምድሪ መስዩ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ ጸሊም ለይቲ፡ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።
10. እንሆ ኸኣ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነት፡ ልባ ተንኰለኛ፡
11. ንሳ ህውከተኛን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፉን፡
12. ሓንሳእ ኣብ ኣደባብይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።
13. ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ፡
14. መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡
15. ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።
16. ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ አሎኹ።
17. ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀረፋ ነጺገሉ አሎኹ።
18-20. ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና።
21. ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ስሐበቶ።
23-22. ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐበ።
24. እምበኣርሲ ደቀየ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ።
25-27. ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሐት።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...