1. ወደየንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ

2. ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ

3. ወደየኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበርኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡

4. ንዓይንኻ ድቃስንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ

5. ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን

6. ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድመገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።

7. ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡

8. ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ

9. ኣታ ሃካይክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ

10. ሓንሳእ ምድቃስሓንሳእ ከኣ ምትካስሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል

11. ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ

12. ሕሱም ሰብዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ

13. ብዓይኑ ይጠቅስብእግሩ ይዛረብበጻብዑ የመልክት

14. ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስባእሲ ድማ ይዘርእ

15. ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእብቕጽበት ኣይኒ ይጭፍለቕፈውሲውን ከቶ የብሉን

16. እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡

17. ትዕቢተኛ ዓይኒሓሳዊት መልሓስንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው

18. እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር

19. ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክርኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ

20. ወደየንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ

21. ኲሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ።

22-24. ካብታ እክይቲ ሰበይቲካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካይመርሓካበጥ እንተ በልካይሕልወካእንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ

25-26. ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ

27. ሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡

28. ኣብ ሎዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡

29. ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን።

30. ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ፡

31. እንተ ተታሕዘ ኸኣሾብዓተ ኢድ ይዐዲኣብ ቤቱ ዘሎ ኵሉውን ይህብ

32. እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉንንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር

33. ቍስልን ነውርን ይረኽቦጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን

34. ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።

35. ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳኣይቅበልን እዩ።