1. ኣቱም ቈልዑተግሳጽ ወላዲ ስምዑልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡ

2. ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ

3. ኣነውን ነቦይ ውሉድንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ።

4. ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውንልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።

5. ንጥበብ ኣጥርያንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል

6. ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ።

7. ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ

8. ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያእንተ ሐቔፍካያከተኽብረካ እያ።

9. ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።

10. ወደየስማዕቃለይ ድማ ተቐበልዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ።

11. ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ

12. ከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ።

13. ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛኣይትሕደጋሐልዋውን

14. ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ

15. ካብኣ ርሐቕብእኣ ኣይትሕለፍኣግልሰላክንየዋ ኺድ

16-17. እንጌራ ረሲእነት ይበልዑወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩእከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር

18. መገድ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።

19. መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን

20. ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን

21-22. ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀንኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን

23. ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ

24. ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ

25. ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ

26. ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን

27. ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ