1. ቃላት ንጉስ ልሙኤልኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡

2. ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ፡ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፡ እንታይ፡ እንታይ እሞ፡ ኣታ ወዲ መብጽዓይ

3. ሓይልኻ ነንስቲመገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ

4-5. ልሙኤለየሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዅሎም ግፉዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩመሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ አሎ፡ ኪብሉ ኣይግባእን።

6. ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ

7. ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕመከራኡ ኸኣ ኣይዘክር

8. ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት

9. ኣፍካ ኽፈትብቕንዕና ፍረድንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።

10. ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር።

11. ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን

12. ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን

13. ጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ

14. ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ

15. ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።

16. ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል

17. ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ

18. ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።

19. ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ

20. ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም

21. ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን

22. ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ።

23. ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ።

24. ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦ

25. ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ

26. ኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።

27. ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን

28-29. ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ

30. ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ

31. ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Chap 30