1. እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቂ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኤልንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡

2. ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቆሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን።

3. ጥበብ ኣይተምሀርኩንፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን

4. ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ፧ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

5. ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።

6. ከይዘልፈካሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ

7. ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእኤን ኣይትኽልኣኒ

8-9. ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፣ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ

10. ምእንቲ ኸይረግመካበዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ

11. ነቦኡ ዚረግምነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ አሎ።

12. ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ አሎ።

13. ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኵሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ አሎ።

14. ነመሳኪን ካብ ምድሪንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲሰይፊ ዝስኑካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ አሎ።

15. ዓለቕትስሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግብ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡

16. ሲኦልን ዘይትወልደ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይአኽለኒ ዘይብል ሓውን እዮም።

17. እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጕጥጕጥዎጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም።

18. ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር አሎ፡ ኤረ ዘይፈልጦስ ኣርባዕተ እዩ፡

19. መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪመገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ

20. ኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገብርኩንትብል

21. ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዝይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ።

22. ባርያ እንተ ነገሰዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ

23. እተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ

24. ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ አለዉ፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም።

25. ጻጸ ሓይሊ ዜብሉ ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ

26. ጊሔታት ሓይሊ ዜብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራ

27. ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሐቡሩ ይጕዐዝ

28. ጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዚከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ንገስታት ይርከብ።

29. ስለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጕሙ፡ ኤረ ግሩም ገይሮም ዚራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡

30. ካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ

31. ናብ ውግእ ዚነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዚኸይድ ንጉስ

32-33. ርጕኦ እንተ ተሐቝነልኻይ የውጽእኣፍንጫ እንተ ተወቕዔደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።