1. ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ

2. ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ

3. ንመስኪን ዜንጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ።

4. መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእስዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም

5. እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኵሊ የስተውዕሉ

6. ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ

7. ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ

8. እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ

9. እቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።

10. እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዲ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ፍጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም።

11. ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ

12. ጻድቃን እንተ ተዐወቱዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ

13. ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።

14. ኵሉ ግዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ

15. ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።

16. ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ

17. ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ

18. ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕንብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ

19. ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ።

20. እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።

21. ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቝራስ ኣንጌራ ይብድል

22. ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን

23. ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ

24. እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ።

25. ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕልብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ

26. ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ

27. ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዒንቱ ዚዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ።

28. ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ