1-2. ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብከናፍሮም ድማ ክፋኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ

3. ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ

4. ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ

5. ጥበበና ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ

6. እምብኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።

7. ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፉ ኣብ ደገ ኣይከፍትን

8. እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲሰራሕ ነገር እዩ ዚበሀል

9. ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን እዩ።

10. ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካሓይልኻ ቕሩብ እዩ።

11. ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።

12. እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።

13. ወደየጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።

14. ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ አሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቝረጽን እዩ።

15. ኣታ ረሲእንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ

16. እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ

17-18. እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጕሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲጸላኢኻ እንተ ወደቐኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።

19-20. እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ

21. ወደየንእግዚኣብሄርን ንንግስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር

22. ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ

23. እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።

24. ነቲ በደለኛስጻድቕ ኢኻ ዚብሎህዝብታት ኪረግምዎኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም።

25. እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።

26. ቅኑዕ ምላሽ ዚህብከናፍር ይስዕም

27. ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉደሓር ቤትካ ስራሕ

28. ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር

29. ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል

30. ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ

31. እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ

32. ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ

33. ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል

34. ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ