1. ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።

2. ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ ዜሰምብድ፡ እቲ ዜዀርዮ ንህይወቱ ይብድላ

3. ንሰብ ካብ ቈየቛ ምርሓቕ ክብረት እዩ፡ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይአትዎ።

4. ሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።

5. ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ

6. ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ

7. ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።

8. ኣብ ዝፋን ፍርዲ እተቐመጠ ንጉስ እከይ ንዘበለ ዅሉ በዒንቱ ይብትኖ

9. ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሄኪብል ዚኽእል መን እዩ፡

10. ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን።

11. ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ ይፍለጥ

12. ነታ ሰማዒት እዝንን፡ ነታ ረኣዪት ዓይንንሲንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን

13. ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።

14. ዓዳጊሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ፡ ይብል፡ መግዱ ምስ ከደ ግና ይሕበን

15. ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን አሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን።

16. ነቲ ንጓና እዋሕሰ ኽዳኑ ወሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጓንትሲ ታሕዚ ኻብኡ ውሰድ።

17. እንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ደሓቅር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ

18. ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ፡ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ

19. እቲ እናዞረ ዚሐሚምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለዚ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ

20. እቲ ነቦኡን ነዲኡን ዚረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸልማት ኪጠፍእ እዩ።

21. እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ።

22. እከይ ኪፈዲ ኣይትበልንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ።

23. ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።

24. ስጒምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር እዩ ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዜስተውዕላ

25. ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ።

26. ጥበበኛ ንጉስ ነቶም ረሲኣን የዝርዎምብመንኰራዅር ድማ ይደርጾም

27. መብራህቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ

28. ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልዋኦ፡ ንሱ ብምሕረት ንዝፋኑ የጽንዖ

29. ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።

30. ሰመርመር ዚብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ።