1. ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ

2. ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት

3. ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር

4. ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሐድጎ

5. ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜስእ ከኣ ኣየምልጥን

6. ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኵሎም ፈተውቱ እዮም።

7. ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለዉን።

8. ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ

9. ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ

10. ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኦን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።

11. ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።

12. ኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።

13. ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ።

14. ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።

15. ትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ

16. ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉመገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት

17. እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

18. ገና ተስፋ ኸሎንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።

19. እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ

20. ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕተግሳጽውን ተቐበል

21. ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።

22. ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ

23. ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድርክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን

24. ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን

25. ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንበዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል

26. እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጕጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።

27. ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ

28. ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ

29. ፍርዲ ንመላገጽቲመውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም አሎ።