1. እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒት ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ

2. ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።

3. ረሲእ እንተ መጸንዕቀት ድማ ይወጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ።

4. ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ።

5. ጻድቕ ምእንቲ ኺግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን።

6. ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይአትዋኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ

7. ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።

8. ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ

9. እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ።

10. ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ

11. ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ እዩ።

12. ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ

13. ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።

14. ሰብ እንተ ሐመመስመንፈሱ ይድግፎንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፡

15. ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪእዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ

16. ንሰብ ውህበት መገዲ ይርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ

17. እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ

18. ዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም

19. ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ።

20. ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ

21. ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።

22. እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል

23. ድኻ እናለመነ ይዛረብሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ

24. ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ