1. ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ

2. ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።

3. መምከኺ ንብሩርእቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።

4. እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ

5. ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍብጕድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።

6. ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።

7. ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኽናፍር ከመይ ኢለን።

8. መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ብሩር ዕንቍ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ

9. ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም

10. ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ

11. እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰደሉ

12. ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓ ነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ

13. ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲመከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን

14. ምጅማር ቈየቛ ከም ምኽፋት መገዲ ውሕጅ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ

15. እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖንክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።

16. ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም፡

17. ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅርሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ

18. ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ

19. ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱንደጊኡ ዜንውሕ ምብራስ ይደሊ

20. ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብንወስላታ ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ

21. ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጕሂኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን

22. ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ

23. ረሲእመገዲ ፍትሒ ንምጥዋይመማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ

24. ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ አላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን።

25. ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ።

26. ንጻድቕ ምቕጻዕንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን።

27. እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።

28. ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።