1. ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።
2. ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል።
3. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።
4. ልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ።
5. ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።
6. ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ አሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት አሎ።
7. ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።
8. መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።
9. እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።
10. መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት።
11. ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ።
12. መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን።
13. ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።
14. ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
15. ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።
16. ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ።
17. ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።
18. ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።
19. ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሽዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ።
20. ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ።
21. ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።
22. ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።
23. ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።
24. ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።
25. እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቝሞ።
26. እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።
27. እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።
28. ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል።
29. እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።
30. ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ፡ ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ።
31. እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።
32. እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም።
33. ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...