1. ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
2. ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ።
3. ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብልግና ጥፍኣት ይረኽቦ።
4. ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
5. ጻድቕ ብዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን።
6. ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7. ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል አሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል አሎ።
8. ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን።
9. ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ።
10. ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ።
11. ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
12. ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
13. ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ።
14. ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
15. ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራር እያ።
16. ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዓዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ።
17. ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ።
18. ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር።
19. እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ።
20. ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።
21. ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ።
22. ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
23. ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና አለዉ።
24. ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
25. ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...