1. ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱመቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።

2. ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበልተንኰለኛ ግና ይዅንኖ

3. ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን።

4. ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።

5. ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ።

6. ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም

7. እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም

8. ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዚነኣድቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ

9. ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚደልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ

10. ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።

11. ምድሩ ዚወላወል ሰብ እንጌራ ይጸግብንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን

12. ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ

13. እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቝ

14. ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍደ እዩ።

15. እቲ ዓሻመገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ

16. ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ

17. ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ

18. ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎመልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።

19. ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብርሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።

20. እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት አሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ አለዎም።

21. ንጻድቕ ገለ ኽፉእ ኣይረኽቦንረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ።

22. ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ

23. ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ

24. ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ

25. እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ

26. ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም

27. ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶንትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ

28. ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት አላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን