1. ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ።

2. እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም

3. ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለው ዚሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ

4. ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ

5. ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርንብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ።

6. ሕጻን ተወሊዱልናወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩምመካርብርቱዕ ኣምላኽኣቦ ዘለኣለምመስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።

7. ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉንቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።

8. እግዚኣብሄር ናብ ያእቆብ ቃል ሰደደ፡ እዚውን ኣብ እስራኤል ወደቐ

9-10. ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምንጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።

11. ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡

12. ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ።

13. እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱንንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን

14. ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራንንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ።

15. እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።

16. መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም።

17. ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ።

18. ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእ

19. እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን

20. ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።

21. ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ።