1. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይተኣምራት፡ እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪእምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ።

2. ንኸተማስ ኲምራ እምኒ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ፡ እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን፡ ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ።

3. ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ አላ።

4. ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ፡ ንስኻ ዕርዲ ንድኻንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ፡ ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ፡ ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ።

5. ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ፡ ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ አሎኻ፡ ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል አሎ።

6. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዂሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒኣንጒዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።

7. ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዂሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዂሎም ኣህዛብ ዚጒልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ።

8. ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።

9. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮኬድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና፡ ኪበሀል እዩ።

10. ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዐርፍ እያ እሞ፡ ከምቲ ሓሰር ኣብ ዕነ ዚርገጽሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኺርገጽ እዩ።

11. ከምቲ ሓማሲ ኺሕምስ ከሎ ኣእዳው ዚዝርግሕ፡ ከምኡ ኣብ ማእከሉ ኣእዳው ኺዝርግሕ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንትዕቢቱ ምስናይ እቲ ተንኰል ኣእዳው ኼዋርዶ እዩ።

12. ነቲ ልዕል ዝበለ ጽኑዕ ቀጽሪ ዕርድኻ ለጠቕ ኬብሎኬውድቖ፡ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ጻሕ ኬብሎ እዩ።