1. ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃንምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል፡ ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይክዐርፍን እየ።

2. ኣህዛብ ንጽድቅኺ፡ ኲሎም ነገስታት ከኣ ንኽብርኺ ኺርእዩ እዮም፡ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ክትስመዪ ኢኺ።

3. ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።

4. ድሕርዚ ሕድግቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸምጸም በረኻ ኣይክትበሀልን እያ። እግዚኣብሄር ባህ ኢሉልኪ፡ ሃገርኪ ድማ ሔምኣ ረኺባ እያ እሞ፡ ንስኽስ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ፡ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ኽትበሀል እያ።

5. ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ ከምኡ ደቅኺ ኺምርዐውኺ እዮም እሞ፡ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ ከምኡ ኣምላኽኪ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።

6. የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ አሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ

7. ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ

8-9. እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም።

10. ሕለፋብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም

11. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣወጀንጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ ምድሓንኪ ይመጽእ አሎ፡ እንሆ፡ ደመወዙ ምስኡ አሎ፡ ዓስቡ ኸኣ ቀቅድሚኡ እዩ፡ በልዋ

12. ንሳቶም ድማ፡ ቅዱስ ህዝቢእግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም። ንስኺውን እትበሀግዘይትሕደግ ከተማ ኽትበሀሊ ኢኺ።