1. ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።

2. ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።

3. ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድንእዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ።

4. ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይንብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ።

5. ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡእምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ።

6. ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍርነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።

7. ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።

8. ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ።

9. ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።

10. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።

11. በታ መዓልቲ እቲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ።

12. ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።

13. ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ኪጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉንይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ።

14. ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ኪነፍሩብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ኬውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ኪእዘዝዎም እዮም።

15. እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ።

16. ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ኪኸውን እዩ።