1. ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዚለዐል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዚፍራህ ሃገር ይመጽእ።
2. መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይ፡ ዓማጻይ ይዕምጽ፡ ማራኻይ ይማርኽ አሎ። ኣቲ ኤላም፡ ደይቢ፡ ዎ ማዳይ፡ ክበቢ፡ ንምስቊርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
3. ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ አሎኹ።
4. ልበይ ተመሊሑ፡ ረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ።
5. መኣዲ ይዳሎ፡ ሓለውቲ ይሕልው፡ ይብላዕ፡ ይስተ አሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ልኸዩ።
6. እግዚኣብሄርሲ፡ ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገር፡ በለኒ።
7. ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረአየ፡ ኣጸቢቑ ጽን በለ፡ ተጠንቂቑ ጽን በለ።
8-9. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ባቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ።
10. ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ።
11. ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኢሉ የድህየኒ አሎ።
12. እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውን፡ ክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱ፡ መሊስኩም ከኣ ምጹ፡ በለ።
13. ጾር ብዛዕባ ዓረብ። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሐድሩ ኢኹም።
14-15. ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።
16. እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ኪጠፍእ እዩ፡
17. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቊጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዚተርፍ ሒደት እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...