1. ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዚለዐል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዚፍራህ ሃገር ይመጽእ

2. መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይዓማጻይ ይዕምጽማራኻይ ይማርኽ አሎ። ኣቲ ኤላምደይቢ፡ ዎ ማዳይክበቢንምስቊርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።

3. ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ አሎኹ።

4. ልበይ ተመሊሑረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ

5. መኣዲ ይዳሎሓለውቲ ይሕልውይብላዕይስተ አሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲተንስኡ ዋልታ ልኸዩ

6. እግዚኣብሄርሲኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገርበለኒ

7. ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረአየኣጸቢቑ ጽን በለተጠንቂቑ ጽን በለ።

8-9. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየመዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታትበብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ባቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረኢሊ መለሰ

10. ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ።

11. ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኢሉ የድህየኒ አሎ።

12. እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውንክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱመሊስኩም ከኣ ምጹበለ

13. ጾር ብዛዕባ ዓረብ። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሐድሩ ኢኹም።

14-15. ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም

16. እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ኪጠፍእ እዩ፡

17. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቊጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዚተርፍ ሒደት እዩ።