1. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ አሎ፧ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ፧ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት

2. ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስሓደ እኳ ዘይጸንሔ፧ ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ፧ ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ፧ ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን፧ እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ

3. ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖመጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ

4. ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲእግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹንኣየድሓርሓርኩን

6. ዝባነይ ንገረፍቲምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ

8. እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይይቕረበኒ

9. እንሆእግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒዚዂንነኒ ደኣ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኺበልዩብልዒውን ኪበልዖም እዩ።

10. ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህንድምጺ ባርያኡውን ዚሰምዕ መን እዩ፧ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ

11. እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።