1-2. እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታትጽን በሉምድርን መሊእዋ ዘሎንዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ።

3. ቅቱላቶም ይድርበዩሬሳታቶም ጺእ ይጨኑ፡ ኣኽራን ድማ ብደሞም ይመክኽ

4. ኲሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለልኲሉ ሰራዊቱውን ከምቲ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ፡ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ ኪረግፍ እዩ።

5. ሴፈይ ኣብ ሰማይ ሰኺሩ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኤዶምኣብቲ ህዝቢ መርገመይንፍርዲ ኺወርድ እዩ።

6. እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ቦጽራኣብ ሃገር ኤዶም ድማ ብዙሕ ሕሩድ ኪገብር እዩ እሞ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተዐሊሱብስብሕን ብደም ገናሽልን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ከኣ ተሰቢሑ አሎ።

7-8. መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁሃገሮም ብደም ይሰክርሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ አሎ።

9. ወሓይዝ ናብ ቅጥራንሓመድ ኸኣ ናብ ዲን ኪልወጥሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ኪኸውን እዩ።

10. ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእንትካ ንዘለኣለም ይተክኽ፡ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድምንዘለኣለም ሓድ እኳ ኣይሐልፋን

11. ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ይገብርዋ፡ ጒንጓን ኳዂን ይነብርዋናይ ምብራስ ገመድ መስፈርን ናይ ምብዳም ሚዛን መለክዕን ይዝርግሓላ

12. ካብቶም ንምንጋስ ዚበቕዑ ጭዋታታ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኲላቶም መሳፍንታ ኸኣ ምናምን ይዀኑ

13. እሾዂ ኣብ ኣደራሻታ፡ ኣምዔን ተዀርባን ከኣ ኣብ ዕርድታታ ይበቊል፡ መሳፍሮ ወኻሩን መውዓል ሰገንን ትኸውን።

14. ኣራዊት በረኻን ኣኽላባት መሮርን ኣብኣ ይራኸቡ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ይጻዋውዑዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፡ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ።

15. ተመን ኣብኣ ቤቱ ይገብር፡ እንቋቚሖኡ ድማ የውድቕኣንቊሑ ንወለልዱ ኣብ ጽላሉ ይእክቦም፡ ኣብኣውን ኣሞራታት ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ይራኸቡ

16-17. ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡንኣፈይ እዩ ዚእዝዝመንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን