1. እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይሕሩየይነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላመንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ።

2. ኣይኪጭድርንድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ።

3. ጭፍሉቕ ወምብቆ ኣይኪሰብርንተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ

4. ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን።

5. እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል

6-7. ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍትንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።

8. ኣነ እግዚኣብሄር እየስመይ እዚኣ እያክብረተይ ከኣ ንኻልእምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።

9. እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ።

10. ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩንንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ

11. በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ።

12. ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ

13. እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕልይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ

14. ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ።

15. ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮንቐላይውን ከንጽፎ እየ።

16. ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶምብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ።

17. እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉንድሕሪት ገጾም ኪምለሱኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም።

18. ኣቱም ጸማማትስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ

19. ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ፧ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ፧

20. ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮንኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን

21. እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ

22. ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን

23. ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ፧

24. ያእቆብ ንወራርእስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧

25. ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠንሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።