1. ኰነ ኸኣሬጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ብዘመን ኣሃዝ ወዲ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ፡ ንጉስ ይሁዳንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ተላዕሉ፡ ግናኸ ኣይተኻእሎምን

2. ንቤት ዳዊት ከኣ፡ ሶርያ ኣብ ኤፍሬም ሰፊሮምኢሎም ኣውረዩሎም። ከምቲ ኣእዋም ዱር ብንፋስ ዚናውጽልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ

3. ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ በሎ፡ ንስኻ ምስ ሸኣርያሸብወድኻውጻእ እሞ ኣብቲ ወሰን መስኖ ላዕላይ ቀላይ ብጽርግያ ግራት ሓጻቢ ንኣሃዝ ተቐባበሎ

4. እሞ ንገሮተጠንቀቕህዳእ ኣይትፍራህውን፡ በዘን ክልተ ተኸኽቲ ተረፍ እያድ፡ በቲ ናይ ሬጺንን ናይ ሶርያን ናይ ወዲ ረማልያን ጒሁር ቊጥዓ ኸኣ ልብኻ ኣይጥፋእ

5-6. ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው።

7-8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብልርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ።

9. ርእሲ ኤፍሬም ከኣ ሰማርያ እያ፡ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ። እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓቂ ኣይትጸንዑን ኢኹም።

10-11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ

12. ኣሃዝ ግና፡ ኣይልምንንንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፍትኖን እየ፡ በለ

13. ሽዑ በለ፡ እምበኣርሲ ኣቱም ቤት ዳዊትስምዑ፡ እቲ ንሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኸይ ድማ ላሕ እተብልዎ፧

14. ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።

15. ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።

16. እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታ ክትሕደግ እያ።

17. ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ኻብ ዚፍለ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ዘመሰለ መዓልትታት ከቶ ዘይመጻ፡ ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ወሰን ርባታት ግብጺ ዘሎ ጽንጽያን ኣብ ምድሪ ኣሶር ዘሎ ንህብን ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ።

19. ንሳቶም ከኣ ኪመጹ እሞ ኲላቶም ኣብ ጽምዊ ሽንጭሮን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኣብ ኲሉ ኣእሻዂን ኣብ ኲሉ ስዕሩር ምድርን ኪሰፍሩ እዮም።

20. በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶርንርእስን ንጸጒሪ እግርን ኪላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ኪሰዶ እዩ።

21-22. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።

23. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ዝገምጋሙ ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ዘለዎ ዂሉ ስፍራስእሾዂን ተዀርባን ኪዀኖ እዩ።

24. ኲላ እታ ምድሪ እቲኣ እሾዂን ተዀርባን ክትከውን እያ እሞ፡ ፍላጻን መንትግን ሒዞም ናብኣ ኺኣትው እዮም።

25. እቲ ብመባሮ ዚባሮ ዝነበረ ዂሉ ዀረቢት ከኣ ካብ ፍርሂ እሾዂን ተዀርባን እተላዕለ ሓደ እኳ ዚኸዶ የልቦን፡ ግናኸ መውፈር ኣብዑርን መርገጽ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።