1. መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ነነይ ምበሉ፡

2. ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶሓዊውን ንማይ ከም ዜፍልሖስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ኪብሉስ፡

3. ዘይተጸቤናዮ ዜገርም ግብሪ ምስ ገበርካወረድካኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ነነይ በሉ።

4. ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረአየቶን

5. ነቲ ተሐጒሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝክሩኻ ትቃባበሎም። እንሆ፡ ንስኻ ዀሬኻ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ብእኡ ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ንድሕን ዶዀን ንኸውን፧

6. ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልናኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቊጸና አሎ።

7. ገጽካ ኸዊልካልናብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዚጽውዕን ንኣኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚትንስእን ሓደ እኳ የልቦን።

8. ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።

9. እግዚኣብሄርእምብዛ ኣይትቈጣዕኣበሳውን ንሓዋሩ ኣይትዘክርእንሆ፡ ጠምት፡ ንልምነካ አሎና፡ ኲልና ህዝብኻ ኢና።

10. እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን፡ ጽዮን በረኻ ዀይና፡ የሩሳሌም ዖንያ።

11. እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስገኑላ ቅድስትን ክብርትን ቤትና ብሓዊ ነደደት፡ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ

12. እግዚኣብሄር፡ በዚ ነገር እዚዶ ኽትዘሐጥ ኢኻ፧ ስቕ ክትብል እሞ እምብዛዶ ኸተጨንቕና ኢኻ፧