1. እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸብሓይሊ ጒልበቱ ዚሽነን፡ ካብ ኤዶም፡ ካብ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዚመጽእ መን እዩ፧ ኣነ እየ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብንምድሓን ስልጡን

2. ስለምንታይ ክዳንካ ቔሔ፧ ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ናይ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ፧

3-4. መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎምብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ

5. ግልጽ በልኩ፡ ሓጋዚ ኸኣ ኣይነበረንን፡ ዚድግፈኒ ስለ ዘይተረኽበ ኸኣ ተዐነድኩ። ሽዑ ቕልጽመይ ኣድሐነኒነድረይ ከኣ ደገፈኒ

6. ብዂራይ ንህዝብታት ረገጽክዎምብነድረይ ድማ ኣስከርክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዂዖኹ

7. ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።

8. ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ።

9. ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦመልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሐኖምብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎምብዝሐለፈ ዘመናት ኲሉ ጊዜ ሐንገሮምን ሐዘሎምን

10. ንሳቶም ግና ዐለውንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሀዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም

11. ሽዑ ንሱ ንዘመን ቀደምን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፡ እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሴኡ ኻብ ባሕሪ ዘውጽኦም ኣበይ አሎ፧ እቲ ንቅዱስ መንፈሱ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ አሎ፧

12. እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ

13. እቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዐንቀፈ ኣብ መዓሙቚ ዝመርሖም ኣበይ አሎ፧

14. ከብቲ ናብ ለሰ ኸም ዚወርዳ፡ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብጽሖም፡ ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም

15. ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ አሎ፧ ርሕራሔ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ

16. ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦናኣብርሃም ኣይፈልጠናንእስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ።

17. እግዚኣብሄር፡ ካብ መገድኻ ክንዘብልከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሐደግካና ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለ ባሮትካ፡ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ

18. እቲ ቅዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ዘመን ጥራይ ተረስተየጸላእትና ንመቕደስካ ረገጽዋ

19. ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና አሎና።