1. ብርሃንኪ መጺኡክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢብርሂ

2. እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።

3. ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም።

4. ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው።

5. ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።

6. ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም።

7. ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ።

8. እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧

9. ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስመራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን።

10. ብዂራይ ወቒዔኪብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም።

11-12. እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።

13. ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎክብሪ ሊባኖስጽሕድን ሙዝን ዝበንሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።

14. ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄርጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም።

15. ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ።

16. ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ።

17. ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላምሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።

18. ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ።

19. እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ።

20. እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብንወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ።

21. ኲሎም ህዝቢ ብዘለዉ ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይግብሪ ኣእዳወይ እዮም።

22. እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።