1. ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።

2. ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ

3. ግናኸ ኣቱም ደቂ ጠንቋሊትዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን፡ ናብዚ ቕረቡ

4-5. ንመን ኢኹም እተባጭውሉ፧ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ፧ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎምደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን፧

6. እቲ ልሙጽ ኣእማን ርባ እዩ ግዴኺ፡ ንሱ፡ ንሱ እዩ ብጽሒትኪ፡ ንእኡውን መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሉመስዋእቲ ብልዒ ኣቕረብክሉ፡ ኣነዶ በዚ እሕጐስ እየ፧

7. ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ከረን መደቀሲኺ ኣዳሎኺ፡ ኣብኡ ድማ መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውኢ ደየብኪ

8. ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፡ ንኣይ ሐደግኪ፡ ንኻልእ ተቐንጢጥኪ ደየብክሉንመደቀሲኺውን ኣርሐብክዮ፡ ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቶኺ፡ ኣብቲ ዝርኤኽዮ ቦታ ዂሉ መደቀሲኦም ፈቶኺ

9. ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪቅዲትኪ ኸኣ ኣብዛሕኪልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፡ ክሳዕ ሲኦል ተዋረድኪ

10. ብምርሓቕ መገዲ ደኸምኪ፡ ግናኸ፡ ተስፋ ቐቢጸስ፡ ኣይበልክን። መሊስኪውን ኣብ ኢድኪ ሓይሊ ረኸብኪ፡ ስለዚ ኣይተሐለልክን

11. እትጠልምን ዘይትዝክርንን፡ ኣብ ልብኺ ዘይትሐስብዮንሲ፡ መን እዩ ዘሰምበደክን ዘፍርሃክን፧ ኣነዶ ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኣይበልኩን እየ፧ ስለዚ ኸኣ ኣይፈራህክንን

12. እምበኣር ኣነስ ጽድቅኽን ግብርኽን ክነግር እየ፡ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመክን እዩ።

13. ምስ እተእውዪ፡ እቶም እኩባትኪ የድሕኑኺ፡ ግናኸ ንፋስ ንዂላቶም ኪወስዶም፡ ጸለውታ ንፋስ ከኣ ኪጸርጎም እዩ። እቲ ናባይ ዚጽጋዕ ግና ነቲ ሃገር ኪግንዘቦ ነቲ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኪወርሶ እዩ።

14. ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑኪበሀል እዩ።

15. ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር አሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ።

16. ንዘለኣለም ኣይክብኣስንንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቚጥዕን እየ። እንተ ዘይኮነስ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሐለላ

17. ብሰሪ ኣበሳ ንፍገቱ እየ እተቘጣዕኩን ዝወቓዕክዎንተሐባእኩተቘጣዕኩ ድማ፡ ንሱውን ዓልዩ ብመገዲ ልቡ ኸደ

18. መገድታቱ ርኤኹከሕውዮን ክመርሖን እየ፡ ንእኡን ንጒህያቱን ከኣ ምጽንናዔይ ክመልሰሎም እየ።

19. ኣነ ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፡ ሰላም፡ ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን፡ ኣነውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

20. እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ

21. እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ