1. ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ።

2. ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ።

3. እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑስምዑነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋዘለኣለማዊ ኺዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ።

4. እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ

5. እንሆ፡ ንዘይትፈልጣ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።

6. ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ

7. ረሲእ መገዱዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለሱ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።

8. ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

9. ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩምሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።

10. ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ

11. እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።

12. ብሓጐስ ክትወጹብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም።

13. ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቊል እዩ፡ እዚውን ንእግዚኣብሄር ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ።