1. ድሕሪ ሕጂ ዘይተገዝረን ርኹስን ኣባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡ ኣቲ ጽዮንንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ።

2. ኣቲ የሩሳሌምተጐጓኺ ንገፊተንስኢተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮንንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ።

3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልብኸምኡ ተሸጥኩም፡ በዘይ ገንዘብ ከኣ ክትብጀው ኢኹም።

4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብልህዝበይ ምእንቲ ኣብኣ ኺነብር፡ ቀደም ናብ ግብጺ ወረደኣሶር ከኣ ብዘይ ምኽንያት ጠቕዖ

5. ህዝበይ ብዘይ ምኽንያት ካብ ዚማረኽ፡ ሕጂ ኣብዚ እንታይ አሎኒ፧ ይብል እግዚኣብሄርገዛእቲ ኸኣ ይጭድሩስመይውን ኲሉ ጊዜኲሉ መዓልቲ ይጽረፍ አሎ።

6. ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

7. እቲ ብስራት ዜበስርሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስርምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስዚብልኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።

8. እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰዓይኒ ንዓይኒ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሐቢሮም እልል ኪብሉ እዮም።

9. ኣትን ዑናታት የሩሳሌምእግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋብሓጐስ እልል በላ፡ ሐቢርክን ኣመስግና

10. እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን።

11. ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል ውጹንጽሁ

12. እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ኪኸይድኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብታህዋኽ ኣይክትነቕሉን፡ ብምህዳም ከኣ ኣይክትግስግሱን ኢኹም።

13. እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ።

14. ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ - ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሐመቐ። -

15. ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ኪርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ኬስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪሕዙ እዮም።