1. ኣቱም ንጽድቂ እትስዕቡንእግዚኣብሄር ከኣ እትደልዩጽን በሉኒ፡ ናብቲ እተፈንጫሕኩምሉ ኸውሕን፡ ናብታ እተዀዐትኩምላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ

2. ሓደ በይኑ ኸሎ፡ ጸዊዔዮን ባሪኸዮን ኣብዚሔዮን እየ እሞ፡ ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምን፡ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ኣስተብህሉ

3. እግዚኣብሄር ንጽዮን ኬጸናንዓ፡ ንዂሉ ዑናታታ ኼጸናንዕ፡ ንምድረ በዳኣ ኸም ገነትንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ኪገብሮ እዩ እሞ፡ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።

4. ሕጊ ኻባይ ይወጽእብርሃን ህዝብታት ኪኸውንሲ፡ ፍርደይ ከንብር እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣድህብ፡ ኣታ ዓሌተይጽን በለኒ።

5. ጽድቀይ ቀረባ እዩ፡ ምድሓነይ መጺኡ አሎ፡ ቀላጽመይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዱደሴታት ኪትስፈዋኒ፡ ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ኪውከላ እየን።

6. ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ።

7-8. ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖምብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለምምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢስማዓኒላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ

9. ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄርንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ፧

10. ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቚ ማያትዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ኪሐልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ፧

11. እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱእልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።

12. ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧

13. ነቲ ሰማያት ዝገተረንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮኲሉ ጊዜኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ አሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ አሎ፧

14. እቲ እሱር ቀልጢፉ ኺፍታሕኣይኪመውትን ኣይኪቕበርንእንጌራውን ኣይኪስእንን እዩ።

15. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንባሕሪማዕበላ ኽሳዕ ዚሀምም፡ ኤናውጻስሙውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።

16. ንሰማያት ክተኽሎምንምድሪ ኸኣ ክስርታንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ

17. ኣቲ፡ የሩሳሌም፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ጽዋእ ነድሩ ዝሰቴኺ፡ ነቲ ዜስክር ጽዋእ ዝሰቴኽዮን ዝጨለጥክዮንንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ተንስኢ

18. ካብ ኲሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፡ ካብ ኲሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዝ የልቦን።

19. እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፡ መን እሞ ኺርሕርሓልኪ እዩ፧ ጥፍኣትን ምብራስንጥሜትን ሰይፍን እንሆልኪ። ከመይ ገይረ ኸጸናንዓኪ እየ፧

20. ውሉድኪ ዛሕ ኢሎም፡ ከም ድንኩላ ኣብ መፈንጠራ ኣብ ኲሉ ቐራና መገድታት በጥ በሉ። ቊጥዓ እግዚኣብሄርን መግናሕቲ ኣምላኽክን መልኦም።

21. ስለዚ፡ ኣቲ ሽግርቲ፡ ብወይኒ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣቲ ስኽርቲ፡ ነዚ ስምዒ

22. እግዚኣብሄር ጐይታኺ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዚጣበቕ ኣምላኽኪ፡ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ነቲ ጽዋእ ስኽራን፡ ነቲ ጽዋእ ቊጥዓይ፡ ካብ ኢድኪ ወሰድክዎድሕርዚ ኣይክትሰትይዮን ኢኺ።

23. ኣነ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ብኣኺ ኣቢልና ኽንሳገርሲ ተጐምበሲዝበልዋ፡ መሸገርቲኺ ኽህቦ እየ፡ ንስኺ ድማ ዝባንኪ ነቶም ሐለፍቲ ኸም ምድሪ፡ ከም መገዲ ገበርክሎም።