1. ኣትን ደሴታትስምዓኒ፡ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ህዝቢ፡ ጽን በሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ

2. ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሐብኣኒ፡ ስሑል ፍላጻ ገበረኒ፡ ኣብ ጒልድባኡውን ከወለኒ፡

3. ኣታ እስራኤል ኣነ ዝኸብረሉ ባርያይ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ከኣ በለኒ

4. ኣነ ግና፡ ብኸንቱ ጸዐርኩ፡ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ እዩ፡ በልኩ

5. እምበኣርሲ እቲ ኣነ ባርያኡ ክኸውን፡ ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ንእስራኤልውን ናብኡ ኽእክቦ ኢሉ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነኒ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ - ኣነስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር እየኣምላኸይ ከኣ ሓይለይ ኰነ፡ -

6. እወ፡ ንሱ ይብልንነገድ ያእቆብ ንምትንሳእ፡ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ንምምላስባርያይ ምዃንካ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ምድሓነይ ክሳዕ ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡ ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ።

7. ነቲ ሰብ ዝነዐቖህዝብታት ዝፈንፈንዎ ባርያ ገዛእቲ፡ ንእኡ እግዚኣብሄርእቲ ተበጃዊ እስራኤልን ቅዱስንስለቲ እሙን እግዚኣብሄርን ስለቲ ዝመረጸካ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኢሎም ነገስታት ርእዮም ኪትንስኡመሳፍንቲውን ኪሰግዱ እዮም፡ ይብል አሎ

8-9. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶምንእሱራትውጹነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ድማ፡ ተረኣዩክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም።

10. እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ፡ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም፡ ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ።

11. ንዂሉ ኣኽራነይ መገዲ ኽገብሮ እየጽርግያታተይ ከኣ ልዕል ኪብል እዩ፡

12. እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡ እዚኣቶም ከኣ ካብ ሃገር ሲኒም ይመጹ።

13. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዔንሽጉራቱውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፡ ኣቱም ሰማያትእልል በሉ፡ ኣቲ ምድሪተሐጐሲ፡ ኣቱም ኣኽራንእልል እናበልኩም ጨድሩ።

14. ጽዮን ግናእግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒበለት

15. ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።

16. እንሆኣብ ኢደይ ወቂጠኪ አሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።

17. ውሉድኪ ቐልጢፎም ይመጹ፡ መፍርስትኺን መጥፋእትኽን ይወጹልኪ

18. ዓይኒኺ ቚሊሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ፡ ኲላቶም ተኣኻኺቦም ናባኺ ይሙጹ ኣለው። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንዂላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ ከም መርዓት ከኣ ክትወናዘፍዮም ኢኺ።

19. ኣብቲ ዑናኽን ዝባደመ ቦታኽን፡ ኣብቲ ዝጠፍኤ ምድርኽን ሕጂ ብርግጽ ነቶም ዚነብሩኺ ኽትጸብዮም ኢኺ፡ እቶም ዝወሐጡኺ ድማ ኪርሕቁ እዮም

20. እቶም ጠፊኦም ዝነበሩ ውሉድኪ ኸኣ፡ ስፍራ ጸቢቡኒክነብረሉ ዀታ ኣርሕብለይ፡ ኢሎም ኣብ እዝንኺ ኺዛረቡኺ እዮም።

21. ሽዑ ብልብኺ፡ ነዚኣቶም መን ወለደለይ፧ ኣነ ውሉደይ ዝጠፍኡኒ መኻን ምርኽትን ስጉጒትን ዝነበርኩስ፡ ነዚኣቶም መን ኣዕበዮም፧ እኔኹ፡ በይነይ ተሪፈ ነበርኩ፡ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ፧ ክትብሊ ኢኺ

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕልንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡

23. ነገስታት ከኣ መዕበይትኺንግስትታቶም ድማ መጒዚታትኪ ኪዀኑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪተጐጓ እግርኺውን ኪልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፡ እቶም ዚጽበዩኒ ድማ ከም ዘይሐፍሩንክትፈልጢ ኢኺ።

24. ንጅግናዶ ነቲ ዝዘረፎ የግድፍዎ እዮም፧ ወይስ እቲ እተማረኸ ጻድቕዶ የምልጥ እዩ፧

25. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልምሩኻት እቲ ጅግና እኳ ኺዝረፉ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨካን ከኣ ኪምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።

26. ንጠቓዕትኪ ስጋ ርእሶም ከብልዖም እየ፡ ብደም ርእሶም ከኣ ከም ብዀልዒ ወይኒ ኺሰኽሩ እዮም፡ ኲሉ ስጋ ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተበጃዊኽን፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ምዃነይ ኪፈልጥ እዩ።