1. ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎንውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢኣቲ ጓል ከለዳውያንብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።

2. መጥሓን ሐዚ እሞ ሓርጭ ጥሐኒጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዚብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ

3. ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዚገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን

4. ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ

5. ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢናብ ጸልማት ኣግልሲ

6. ኣብ ህዝበይ ኰሬኹርስተይ ፈንፈንኩኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሀብክዎም። ንስኺ ኣይምሐርክዮምንኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ

7. ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪብናይ መወዳእታውን ከይሐሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ጊዜ እትየ እየ፡ በልኪ

8. እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ

9. ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናንብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን።

10. ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦንበልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ።

11. ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ።

12. ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪቕረቢ

13. ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ

14. እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶምካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።

15. ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮምሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን